Startsida
SHIS logotyp
search

En del av

Stockholms stad

SHIS logotyp
search

ናይ ንሕና ተልእኾ

እዚ ” SHIS Bostäder” ዝበሃል፥ ናይ ከተማ ስቶክሆልም ማሕበራዊ-ናብዮት ኣባይቲ እዩ። እቲ ዕላማ ናይዚ ቀረብ ኣባይቲ’ዚ ድማ፥ ነቶም ብዝተፈላለየ ማሕበራዊ ወይ ቁጠባዊ ምኽንያታት፥ ኣብቲ ልሙድ ናይ ኣባይቲ ዕዳጋ ቀረብ፥ ናይ ገዛእ ርእሶም ገዛ ንምርካብ ዕድል ዘይብሎም ሰባት፥ ጊዚያዊ መንበሪ ቦታ ክንቅርበሎም ብማለት ዘዳሎናዮ ኣጋባብ እዩ። ኣብቲ ሰብ ምሳና ዝቕመጠሉ ጊዜ ድማ፥ ምስቲ ተኻራዪ ብሓባር ኴንና፡ ነቶም ናይ ገዛ ርእሱ ገዛ ንኸይረክብ ዓንቂጾሞ ዘሎዉ ሽግራት ከም ዝፍትሑ ምግባር’ዩ። ሓደ ሰብ ኣብዚ ”SHIS” ንኽረክብ፥ 18 ዓመት ዝመልአን ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ናይ ስቶክሆልም ድማ ዝተጻሕፈን ኪኸውን የድሊ። ሓደ ዓይነት መንበሪ-ፍቓድ ውን ዘሎዎ ኪኸውን የድሊ እዩ።

 

ኣብዚ ”SHIS”፡ ከም ውልቀ-ሰባት ኴንካ ገዛ ንምርካብ ትምዝገበሉ መስርዕ ይብሉን። እንታይ ደኣ፡ እቲ ”ቤትስልጣን ማሕበራዊ ጉዳያት” (stadens socialtjänst) እዩ ኣብ ክንድኦም ኮይኑ፥ ንዓሚላቱ ገዛ ንምርካብ ምልክታ ዘቕርበሎም።

 

እቲ መንበሪ ኣባይቲ፡ መምስ’ቲ ተኻረይቲ ዘሎዎም ናይ ደገፍ ኣድላይነት ዝተዛነቐ ’ዩ

እዚ ”SHIS” እዚ፡ መምስ’ቲ ተኻረይቲ ዘሎዎም ነናይ ውልቆም ድጋፍ ኣድላይነት፥ ነንበይኖም ዝኾኑ ዓይነት መንበሪ ቦታታት ዘሎዎ’ዩ። ንሕና፡ ነንበይኑ ዓይነት ናይ ማሕበራዊ-ናብዮት ደገፍ ንዘድልዮም ሰባት ኢና ኣባይቲ ነዳሉ። ሓደ ዓይነት ካብቲ መንበሪ-ኣባይቲ፥ ፍጹም (nolltolerans) ካብ ናርኮቲካን ካብ መስተን ነጻ ዝኾነ መንበሪ-ኣባይቲ እዩ። ካልእ ዓይነት ውን ነተን ኣብ ስድራቤተን ናይ ዓመጽ ሽግር ዘሕለፋ (እቲ ህጹጽ ናይ ሕቡእ መንበሪ-ቦታ ኣድላይነት ምስ ሓለፈ) ነዳልወለን ገዛውቲ እዩ።

 

ነቶም ካብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያትን፥ ካብ 25 ክሳብ 30 ዝዕድሚኦም በጽሒታት ዝኸውን ገዛውቲ ውን ኣሎ። ከምኡ ውን ሓዳር ንዘሎዎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ዚኸውን ገዛውቲ እዩ። ብሚግራሾንስቨርከት ናብ ስቶክሆልም ኮሙን ዝተመደቡ ሓደስቲ-መጻእተኛታት (nyanlända) ዚኸውን ገዛውቲ ውን ኣሎና’ዩ።

 

ነቶም ሓደስቲ መጻእተኛታት ዝኾኑ ጕጅለ ዘድልዮም፥ ኣብ ሕብረተሰብ ሽወደን ክወሃሃዱን፥ ናብቲ ልሙድ፡ ማለት ካብ “SHIS” ወጻኢ ንዝኾነ ናይ ዕዳጋ-ኣባይቲ ኣናድዮም ገዛ ንኽረኽቡ ጊዜ ንምሃብ እዩ።

 

ኵሉ’ቲ ንናይ ”SHIS” ገዛውቲ እትገብሮ ውዕል፥ ናይ ነባርነት ትሕዞ ውሕስነት ዘይብሉ፡ ጊዚያዊ ውዕል’ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ እቶም ናትና ተኻረይቲ፡ እቲ ምሳና ዝቕመጡ እዋን ብጊዜ ዝተወሰነ ስለ ዝኾነ እዩ። እቲ ምንዋሕ ናይ ምቕማጥ ጊዜ ክንደይ ከም ዚኸውን ዚውስኖ፥ እቲ ተኻራዪ ካልእ መተካእትኡ ዚኸውን ገዛ ንምርካብ ዘሎዎ ዕድል እዩ። ንሕና ነቲ ተኻራዪ ብንጥፈት ገዛ ንኽደሊ ግዴታ ነንብረሉ ኢና፤ እቲ ንዕኡ ዚኸውን ገዛ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ድማ ናቱ ጥራይ እዩ። ሰራሕተኛታት ናይ ”SHIS” ውን ብዛዕባ እቲ ገዛን፡ ብዛዕባ ናይ ምምልካት ገዛን ጽቡቕ ምኽሪ ንኪህቡኻ ዝተዳለዉ እዮም። እዚ ማለት ድማ፡ ኣብቲ እቶም ተኻረይትና፡ ኣብቲ ልሙድ ዝኾነ ናይ ኣባይቲ ዕዳጋ ቀረብ፥ ናይ ርእሶም ዝኾነ ገዛ ንምርካብ ዝገብርዎ ከይዲ፥ ደገፍ ይገብሩሎም እዮም።

 

ቁጠባዊ ይኹን ካልእ ማሕበራዊ ሽግራት ዘይብሎም ውልቃውያን ሰባት፡ መንእሰያት፡ በጽሒታት፡ ዓበይቲን ሰብ-ሓዳርን ስድራቤታት፥ ገዛ ንምርካብ ናብቲ ስሩዕ ዝኾነ ”ናይ ስቶክሆልም ቤትስልጣን መራኸብቲ ገዛ” (Stockholm hos Bostadsförmedlingen) ኣብ www.bostad.stockholm.se External link. ምልክታ የቕርቡ። እቲ ኣብኡ ገዛ ንምርካብ ዝወስደልካ ጊዜ፥ እቲ ተመዝጊብካ ዝተጸበኻሉ ናይ ጊዜ ንውሓትን እቲ ዘሎካ ቁጠባዊ እቶትን እዩ። ኣብ መስርዕ ተመዝጊብካ ንምጽባይ፥ በብዓመቱ ትኸፍሎ ናይ ገንዘብ ክፍሊት ኣሎ’ዩ።